Wednesday, December 17, 2014

ኣብ ከባቢ ዓዲ ነብሪ ኢድ ንፅርግያ መስርሒ ተባሂሉ ዝተዳለወ ንብረት ኣባላት ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ እናሰረቑ ይሸጥዎ ከም ዘለው ተፈሊጡ።



    ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ዓዲ ነብሪ ኢድ ፍሉይ ቦታ ማይ ዓሶ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ፅርግያ መስርሒ ተባሂሉ ብቻይና ዝቖመ ፕሮጀክት እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ምስ ከዱ ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ዝተረፈ ንብረት ብ24 ሕዳር 2007 ዓ/ም ኣባላት ሰራዊት ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ከም ዝሸጥዎ ተገሊፁ።
    እቶም ኣብ ስርቂ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ኣባላት 22 ክፍለ ሰራዊት እንትኾኑ ንክሕልውዎ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ከብቅዑ ሓላፍነቶም ረሲዖም ናብ ሽረን ሸራሮን እናወሰዱ ናይቲ ፕሮጀክትን ማሽናት፤ ናይ መኪና ጎማታትን ካልእ ንብረትን ይሸጥዎ ከም ዘለው ምስ ገለፀ  ገለ ካብቶም ዝሸጡ ዘለው ድማ ሓለቓ ሓምሳ ብርሃነ ሓረጎትን ሓለቓ ዓሰርተ ከዋንን ዝተበሃሉ ኮይኖም ነዚ ግዕዙይ ተግባር ብላዕለዎት ሓለፍቶም መምርሒ ተዋሂብዎም ዝፍምፅምዎ ዘለዉ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
   ብተመሳሳሊ ናይ ማእኸላይ እዚ 8 ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ መካናይዝድ ብርጋዴል ጄነራል መሓመድ ብርሃን (ወዲ ጎጀላ) ንስራሕ መሳለጢ ተባሂሉ ዝተረከቦ ሓንቲ ቦጥ መኪና ነዳዲ ምሉእ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ዝርከብ እንዳ ጉዕሽ ክፍላይ መዐደሊ ነዳዲ ክሸይጥ ከም ዝተረኽበ ኣብ ዝሓለፈ ዜናናን ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ።