Wednesday, December 17, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ስዒቡ ብ28 ሕዳር 2007 ዓ/ም ብርክት ዝበሉ ንፁሃት ወገናት ከም ዝተኣሰሩ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ገዛኢ ዉድብ ኢህወደግ በቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣዝዩ ስለ ዝተሳናበደ ነቶም ህዝባዊ ሓላፍነት ዘይስምዖም መገልገልቱ ዝኾኑ ፌደራል ፖሊስ ብምዉፋር ብርክት ዝበሉ ንፁሃት ሰባት ክእሰሩ ከም ዝገበረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ዝተኣሰሩ ድማ፦ ፍቓዱ ኣያሌዉ ኣባል ቅንጅት ነበር፤ ብርሃኑ መገርሳ፤ እስክንድር ኣብርሃም፤ መብርሂት ኣለበል ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም ምንጭታትና ገሊፆም።
   ነዞም ንፁሃት ወገናት ክኣስሮም ዝኸኣለ ድማ እቲ ብ27 ሕዳር ዝተኻየደ ሰልፊ ብፌስ ቡክን ካልኦት መርበብ ሓበሬታን ኢሳትን ግንቦት 7ን እንተቀናብርዎ ንስኹም ድማ ኣብዚ ናሃቶም ልኡዃት ኮይንኩም ፈፂምኩሞ ብዝብል ከም ዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ይኹን እምበር እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ካብቲ ሰልፊ ወፃኢ ምንባሮምን፣ ነቲ ሰልፊ ዘተሓባበሮ ድማ ሰማያዊ ፓርቲ ‘ምበር ኢሳትን ግንቦት 7ን ከም ዘይኮኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።