Wednesday, December 3, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሽዋ፤ ካድረታት ናይቲ ክልል ኣብ ወርሒ ግንቦት ንዝካየድ መረፃ ኣመልኪቶም ነበርቲ ወረዳ ስልኪ ኣምባ ዝኾኑ ወገናት ናይ ኣስገዳድ ጎስጓስ የካይዱሎም ከም ዘለው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሽዋ፤ ወረዳ ስልኪ ኣምባ ዝነብር ህዝቢ ካብ 16 ሕዳር 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ፅዑቕ ኣኼባ ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ መብዛሕትኡ እቲ ህዝቢ ሓረስታይ ብምዃኑ ዝራእቱ ብእዋኑ ስኣን ዝእክቦ ብዝናብ እናተበላሸወ እንከሎ ካብ’ቲ ኣኼባ ዝተረፈ ዝኾነ ሰብ 500 ብር ክቅፅዓት እዩ ስለ ዝተብሃለ ከይፈተወ ይሳተፍ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዋና ኣጀንዳ ኮይኑ ዝቐረበ ሓሳብ እቲ ዝረአ ዘሎ ልምዓት ክቕፅል እንተኾይኑ ኣብ ዝመፅእ ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝካየድ መረፃ ኦህዴድ-ኢህወዴግ ክትመርፁ ኣለኩም ዝብል ንዴሞክራስያዊ መሰል ህዝቢ ዝረግፅ ደረቕ ትእዛዝ ከም ዝወረደ ምስ ገለፀ እቲ ተኣካቢ ህዝቢ ብወገኑ  በዚ ስርዓት እዚ ልምዓት ዝብሃል ኣብ ዞባና ኣይረአናን ኣብ ካልእ ቦታ እንተኣልሚዕኹም ንገሩና ዝብል ናይ ተቓውሞ መልሲ ከም ዝመለሱሎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።