Wednesday, December 3, 2014

ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ መፃኢ መረፃ በይኑ ተወዳዲሩ በይኑ ንምዕዋት ኣመራርሓን ኣባላትን ተቓወምቲ ዉድባት ኣብ ምእሳር ተፀሚዱ ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ሰበ ስልጣን ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ምስሉይን መደናገርን ሃገራዉን ክልላዉን መረፃ ፍትሓዊ፤ ሰላማዊ፤ ዴሞክራስያዊ፤ ተኣማኒ ንክኸዉን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ይገልፁ እኳ እንተሃለው ብተግባር ግን ኣመራርሓን ኣባላትን ተቓወምቲ ዉድባት ናይ ጎስጓስ ስራሕቶም ንኸየሳልጡ ኣብ ምእሳርን ምትዕንቓፍን ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
 ብፍላይ ጥምረት ዝፈፀሙ ተቓወምቲ ዉድባት ኣንድነትን ሰማያዊ ፓርትን ብሓባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘መስቀል ኣደባባይ’ ን21 ሕዳር 2007 ዓ.ም ህዝባዊ ኣኼባ ንምክያድ ፍቓድ ሓቲቶም ከም ዝተኸልከሉ ድሕሪ ምግላፅ ናይ’ቲ ጥምረት ኣቦ ወንበር ኢንጅነር ይልቃል ጌትነት ከኣ ሕድሕድ ምንቅስቓሶም ሲቪል ብዝተኸደኑ ኣባላት ድህንነት ጥቡቕ ክትትል ይግበረሎም ብምህላዉ ዕለታዊ ስራሕቶም ብነፃ ከሳልጡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።
እዞም ጥምረት ዝፈፀሙ ክልተ ዉድባት ኣብ ወረዳ መተማን ዙርያ ጎንደር ዝርከባ ወረዳታትን ቤት ፅሕፈት ንከይኸፍቱ፤ በረርቲ ወረቓቕቲ /ፓምፕሌት/ ከይብትኑን ህዝባዊ ኣኼባ ንከየካየዱን ከም ዝተኸልከሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዚ ከምዚ ዓይነት ምእሳርን ምትዕንቓፍን ብደረጃ ሃገር ብሰፊሑ ይስራሓሉ ምህላዉ ይፍለጥ።