Wednesday, February 25, 2015

ብምኽንያት 19 ለካቲት መበል 14 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ዝተወሃበ ውድባዊ መግለፂ!!



ኣብ ውሽጥን ደገን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ንጅግና ሰራዊትና፤ ኣባላት ውድብናን ደገፍቲ ቃልስናን እንኳዕ ንምጅማር ብረታዊ ቃልስና 19 ለካቲት መበል 14 ዓመት ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም።
ብረታዊ ቃልሲ ክበሃል ከሎ  ከቢድን ረዚንን ዋጋ ዝሓትት ከም ዝኾነ ዝስሕቶ ሰብኣዊ ፍጡር የለን፣ ምኽንያቱ  ተገዲድካ እትኣትዎን ናይ መወዳእታ መማረፅን ስለ ዝኾነ፣ ውድብና ቅድሚ 14 ዓመት ከምዚ ሎሚ ነዚ ናይ መወዳእታ መማረፂ ዝኾነ ብረታዊ ቃልሲ ክፍልም እንከሎ ህዝብና ዝተቓለሰሉን ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ዝረኸቦ ዓወትን ተመጢሉ ንመራጋገፂ ረብሓ ውልቀ መለኽቲ ምስ ወዓለ’ዩ።
መራሕቲ ህወሓት ቃልስን መስዋእትን ህዝብና ተበሊፆም ስልጣን ምስ ተቆፃፀሩ ሃንቀውታን ድሌትን ህዝብታት ኣፀሊሚቶም ኣብ ክንዲ ህዝቢ ከመይ ገይሩ ተረባሒ ፍረ ቃልሱ ይኸውን ዝብሉ ከመይ ገይርና ህዝቢ ዓፊና ዕድመ ስልጣና ነናውሕን ውልቃዊ ረባሓታትና ነረጋግፅን ዝብል ፈሊጥ ተኸቲሎም ነቲ ንዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ቃልሲ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ክተርፍ ገይረምዎ’ዮም።
 ውድብና ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ነቲ ብመራሕቲ ህወሓት ዝተፈፀመ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ጥልመት ርእስኻ ኣድኒንካን ሓዚንካን ዝፍታሕ ብዘይምዃኑ ሕቶ መላእ ህዝብናን ሕድሪ ሰማእታትና ንምምላስ። ዳግም 19 ለካቲት 1993 ዓ/ም ብረታዊ ቃልሲ ከልዕል ተገዲዱ እዩ።
ስርዓት ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ውሽጢ እዞም 24 ዓመታት ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዓበይቲ ገበናት ክፍፅም ምፅንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕዚ’ውን እንተኾነ ነቲ ከይተጀመረ  ዝተወደአ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ከካይዶ‘የ እንዳበለ ወግሐ ፀብሐ ህዝቢ ዘደንቁረሉ ዘሎ መረፃ በቲ ሓደ ወገን ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ሰላማዊ መረፃ ከካይድ እየ እንትብል በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ኣብ ምጭፍጫፍን ኣብ ሕብረተሰብ ተሰማዕነት ንዘለዎም ወገናት ኣብ ምእሳርን ምጭዋይን ተዋፊሩ ይርከብ።
 ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ውድብና እዚ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብሰላማዊ መንገዲ ካብ ስልጣኑ ክእለን ሕቶ መላእ ህዝብታት ሃገርና ክምልስን ኣይኽእልን ኢሉ ስለ ዝኣመነ ነዚ ናይ መወዳእታ መማረፂ ዝኾነ ብረታዊ ቃልሲ ክኽተል ዝተገደደን ሕዚ’ውን ዝቕፅለሉ ዘሎን።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ! ንዓመታት ክተካይዶ ብዝፀናሕኻ ቃልስን እናኸፈልካዮ ዝመፃእኻ መስዋእትን መረጋገፂ ረብሓን መናውሒ ዕድመ ውልቀ መለኽትን እንትኾን ብኣንፃሩ ንዓኻ ድማ መጨቆኒኻ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ነቲ ትማሊ ስለኻ እየ ዝብለካ ዝነበረ ማዓር ቃላቱ ክሒዱ ብመስዋትኻ ስልጣን ጨቢጡ ኣብ ናይ ዓፈና መርበብ ካብ ዘእትወካ ኣስታት 24ዓመታት ዘቑፀረ እንትኸውን፥ ሎሚ’ውን እንተኾነ ክሳብ እቲ ዝዳለወሉ ዘሎ ውዱእ ናይ መረፃ ድራማ ዕላዊ ዝገብሮ ንዓኻ ብዝተፋላለዩ ዘይትግበሩ መብፃዓታት እናኾመረን እናፋራረሐን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ዘሎ ተንኮል ኣይፋል ክትብሎን ከተብርዕኖን ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒቱ የቕርብ።
ዝኸበርካ ጅግና ሰራዊትና!  ኣብዞም ዝሓለፉ 14 ዓመታት ጉዕዞ ቃልስና ኣብ ልዕሊ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ወያነ ኢህወዲግ እናሓፈስካዮም ዝመፃእኻ ዓበይቲ ዓወታት ዕቤት ውድብና ኣብዚ ሕዚ በፂሒዎ ዘሎ ደረጃ ክበፅሕ ክእሉ’ዩ። ሕዚ’ውን እቲ መፍትሒ እዚ ሕዝካዮ ዘለኻን መስዋእቲ እናኸፈልካሉ ዝመፃእኻ ብረታዊ ቃልሲ እዩ’ሞ ሕቶ ህዝብኻ ንምምላስን ሕድሪ ስውኣትካ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕን ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ህዝብኻ ኣብ ጎንኻ ኣሰሊፍካ ቃልስኻ ኣሕይልካ ከትቕፅል ይግባእ።
ዝኸበርኩም ተቓወምቲ ውድባት ሃገርና! ሃገርና ኣብ ትሕቲ  እዚ ዓፋኒ ስርዓት ካብ ትኣቱ 24 ዓመታት ኣቑፅራ ትርከብ፣ ኣብ ውሽጢ እዞም 2 ዓስርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ሰፍ ዘይብል ግፍዕን በደልን ክፍፀም ፀኒሑን ኣሎን።
እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ዓፈናን ጭቆናን ከብቅን ክቕፅልን እንውስኖ ድማ ንሕና ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ብምዃንን  ብረት ኣልዒልና ኣብ ምቅላስ ዘለናን ምዃና ዘየካትዕ ሓቂ’ዩ። ምኽንያቱ ዓላማና ህዝብና ካብ’ዚ ዓፋኒ ስርዓት ሓራ ምውፃእ እኳ እንተኾነ ገሌና ተቓወምቲ ውድባት ስርዓት ኢህወዴግ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከም ዝኾነን ብሰላማዊ መንገዲ ክወርድ ከም ዝኽእልን ገይርና መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ እንትንከውን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ እንርከብ ድማ ሓደ ኣካል ኮይና ቀላፅምና ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ከነዕርፍ ኣይከኣልናን።
ስለዚ ሕዚ‘ውን ሓደ ኣካል ኮይና ነቲ ውፅኢት ዘምፅእ መንገዲ ተኸቲልና ዕድመ እዚ ፀረ ህዝብናን ሃገርናን ዝኾነ ስርዓት ክነሕፅር ይግባእ እንዳበልና ሎሚ’ውን ከም ቀደሙ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ምስኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ሃገርና ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ እናገለፀ፥ ደጊሙ እንኳዕ ንመበል 14 ዓመት ለካቲት 19/2007 ዓ/ም ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም ይብል።       
                              ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት)
                      ለካቲት 2007 ዓ/ም
                                              ዓወት ንውፅዓት!!