ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ስልጣን
ዘሎ ጉጅለ ኢህወዴግ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ምስ ህዝቦም ብምርኻብ ከካይድዎ ኣብ ዝፀንሑ
ጎስጓስ ብምስታፎም ፀረ ህልዉናና ክትሰርሑ ፀኒሕኩም ብምባል ንብርክት ዝበሉ መምህራንን ተማሃሮን ዩኒቨርሲቲ ዜጋታትና ብ8ተ ለካቲት 2007 ዓ/ም ግዳይ ሞት ከም ዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ካብቶም በቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ግዳይ ሞት ዝኾኑ ንፁሃት ወገናትና ንምጥቃስ፦
ይኩኖ-ኣምላኽ ኢሳያስ፤ ጌታነህ ኣስማረ፤ ኢንጅነር ኣባተ (ቻርተር) ሰለስቲኦም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዝምህሩ ዝነበሩ እንትኾኑ
ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ ኣብ ምስራቕ እባኮ ተወላዲ
ብሄረ ጋምቤላ ዝኾነ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ድማ ‘ዝፈፀምኩዎ ገበን
ዘይብለይ ኣይእሰርን’ ስለ ዝበሎም ዕሱባት እቲ ስርዓት ዝኾኑ ዕጡቛት ብበትሪ ቀጥቂጦም ከም ዝቐተልዎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።