ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ክልል
ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ፉሉይ ቦታ ኣብርሃ ጂራ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ መምህራንን ተማሃሮን ወገናት ቅድም ኢሉ ኣብ መንጎ
ክልቲኡ ክልላት ተፈጢሩ ንዝነበረ ዕግርግር ስዒቡ ነቶም መምህራንን ተማሃሮን ብ9 ለካቲት 2007 ዓ/ም ብካድረታት ብኣዴን ኢህወዴግ
እናተታሓዙ ካብ ዘምህሩለን ዝማሃሩለንን ኣብያተ ትምህርቲ ክባረሩ
ከም ዝተገብረ ተፈሊጡ።
እቶም ግዳያት ዜጋታት እዚ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ትምህርቲ ምትዕንቓፍ ኣፀያፊ
ተግባርን ንምንታይ ከም ዝተፈፀመ ሓላፍነት ዝወስድ መንግስታዊ ኣካል መን እዩ ብምባል መረረቶምን ጥርዓኖምን የስምዑ እኳ እንተለዉ
ዛጊድ ግን ግቡእ ምላሽ ዝህቦም ኣካል ከም ዘይረኸቡን ናብ ስርሖምን ናብ ትምህርቶምን ከም ዘይተመለሱን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ
ወሲኹ ኣረዲኡ።