Friday, February 27, 2015

ህወሓት ኢህወዴግ ንዘስግኡዎ ተጋደልቲ ነበር መጠበሪ ዝኸውን ውሱን ገንዘብ ስለ ዝሃበ እቶም ዝኾነ ጥቕሚ ዘይረኸቡ ተጋደልቲ ነበር ኣብ ሓያል ስምዒት ኣትዮም ከም ዘለው ተሓቢሩ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ምስ ተቓወምቲ ርክብ ፈጢሮም ካብ መንበረ ስልጣነይ ከዉርዱኒ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ዝሓደሮ ገዛኢ ስርዓት ነቶም ብፍሉይ ዘስግኡዎ ዝተወሰነ ገንዘብ ይዕድሎም ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቶም ዋላ ሓንቲ ኣየምፅኡን ኢሉ ዘይሃቦም ተጋደልቲ ነበር ድማ ኩላትና ከርተት ኢልና ስለ ምንታይ ኣብ ገንዘብ ኣፈላላይ ይግበር ብምባል ኣብ ከቢድ ስምዒት ከም ዘለው ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ እዞም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ውልቃዊ ናብርኦም ገዲፎም ኣብ ጎኒ ህወሓት-ኢህወዴግ ተሰሊፎም  ዝተጋደሉ  ደሓር በቲ ስርዓት ብዘይ ዝኾነ ዓስቢ ተደርብዮም ፀኒሖም ሕዚ ድማ ኣድልዎ ዝፍፀሞም ዘሎ ነባራት ተጋደልቲ ኣብ መንጎ ካድረታት እቲ ስርዓትን ተጋደልቲ ነበር ህወሓትን ሓያል ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።