ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ
ኣባላት ፖሊስን ወተሃደራትን ናይ’ቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣድማታት እናልዓሉ ሕድ ሕዶም ከም ዝቃተሉ ድሕሪ ምግላፅ
ከም መቐፀልትኡ ድማ ብ8 ለካቲት 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ ጎንደር ተስፋይ ግርማይ ዝተብሃለ ናይ መበል 24 ክፍለ ስራዊት ኦፕሬተር
ንሓደ ወርቁ ኣረጋው ዝተብሃለ ፖሊስ ብሽጉጥ ቀቲልዎ ከም ዝጠፍአ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣባላት ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ኢህወዴግ ኣብቲ
ስርዓት ዘለዎም እምነት እናንቆልቀለ ይኸይድ ብምህላዉ በዚ መሰረት ድማ ዝተረጋግአ ህይወት ስለ ዘይብሎም ባዕሎም ንባዕሎም ኣብ
ምቅታልን መራሕቶም ኣብ ምቕንፃልን ከምኡ’ዉን ኣብ ዝተፈላለዩ እንዳ መስተታት ሲቪል ሕብረተሰብ ኣብ ምቕታልን ምብስባስን ከም ዝርከቡ
ኣረዲኡ።