Friday, February 27, 2015

ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ኣብ ትግራይ ብዝፈፀምዎ ከቢድ በደል ኣብ መረፃ ህዝቢ ከይተፍኦም ስለ ዝሰግኡ ንገለ ስድራ ስውኣት ኣብ ምጥባር ከም ዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ነቶም ንዝሓለፉ 24 ዓመታት ቁሊሕ ኢሎምዎም ዘይፈልጡ ስድራ ስውኣት ሕዚ መረፃ ምስ ተቐራረበ ብህዝቢ ተቐባልነት ንምርካብ ክብሉ ንገለ ስድራ ስውኣት ሒደት ገንዘብ እናሃቡ ኣብ ምጥባር ከም ዘለው ተገሊፁ።
     እቶም በቲ ፈላላዪ ኣካይዳ ናይ’ቶም ካድረታት ዝተቖጥዑ ስድራ ስውኣት ድማ ንገለ ሓደ ሰብ ዘሰወአ ስድራ ሓገዝ እንትግበር ክሳብ ሓሙሽተ ደቁ ዘሰወአ ስድራ ግን ቁሊሕ ዝብሎ ዝስእነሉ ኩነታት ተፈጢሩ ዘሎ ንሓደ ዓይነት ዕላም ኢሎም ሓደ ዓይነት ደም ‘ዶ ኣይኮነን ኣፍሲሶምን ተሰዊኦምን ዝብሉ ሕቶታት ይለዓሉ ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ ወለዲ ብመስዋእቲ ደቆም ኣብ ክንዲ ዝኸብሩ ብከፋፋሊ ኣካይዳ ገዛኢ ስርዓት ኣብ መሪርን ሓዘን ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ።