Thursday, March 5, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ሓደ ክፍለ ከተማ እናተውሃበ ዝርከብ ናይ ከተማ ጥዕና ኤክስተንሽን ስልጠና ተግባራዊ ክኸውን ኣይኽእልን ብምባል እቶም ሰልጠንቲ ይቃወምዎ ከም ዘለው ካብቶም ሰልጠንቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



    ካብቶም ሰልጠንቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ብደረጃ ዲፕሎማ ናይ ምክልኻል ሕማም፤ ናይ ጥዕና ምሕያል ናይ ከይዲ ስራሕ ሰብ ዋና ንሓፂር ግዜ እናተውሃበ ዘሎ ናይ ከተማ ጥዕና ኤክስቴንሽን ስልጠና ናይ ኣሰራርሓ ፕሮግራሙ ካብቲ ናይ ገጠር ፍልይ ዝበለ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ሓፂር ናይ ስልጠና ግዜ ኣብ ተግባር ክስረሐሉ ስለ ዘይኽእል ጌጋ እዩ ብምባል ዝተቓወምዎ እንትኾኑ ብፍላይ ድማ ኣብ ክፍለ ከተማ  ኣዲስ ከተማ ዝርከቡ ካብ ትሽዓተ ጥዕና ጣብያታት  ዝተውፃእፅኡ ዕስራን ሓደን ሰብ ሞያ ኣትሪሮም ከም ዝተቓወምዎ ተገሊፁ።
    ብኻልእ ወገን ነቲ ስልጠና ንክህቡ ብዝብል ሰበብ ኣበል ንምምዳብ ዝጓየዩ ናይ ጥዕና ጣብያ ሓለፍቲ ንሕድሕዶም ንክልተ መዓልቲ ጥራሕ ስልጠና እናሃቡ ዘይተኣደነ ናይ ህዝብን ሃገርን ገንዘብ ብዘይ ሕጋዊ ቅብሊት ይስርቁ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።