Sunday, March 1, 2015

ኣመሓደርቲ ወረዳ መደባይ ዛና ገንዘብ ህዝብን ሃገርን መንዚዖም ይስወሩ ከም ዘለው ምንጭታትና ካብ ከተማ ሰለኽለኻ ገሊፆም።



    ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ናይ ወረዳ መደባይ ዛና ኣመሓዳሪ ተስፋይ ብርሃነ ዝተብሃለ ዕሉል ካድረ ህወሓት-ኢህወዴግ ንዝተፈላለዩ ህዝባዊ ስራሕቲ ክዉዕል ዝተረከቦ ልዕሊ 2 ሚልዮን ብር ኣብዚ ቅንያት ሒዝዎ ከም ዝተሰወረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብዝፈፀሞ ገበን ግዕዝይና ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ንኽሕተት ብዝምልከቶም ኣካላት ዝተገብረ ግቡእ ክትትል ብዘይ ምህላዉ ክተሓዝ ከም ዘይከኣለ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
   ብተወሳኺ ድማ ምክትሉ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ጎይትኦም ገብረሃወርያ ዝተብሃለ ካድረ ብ9 ለካቲት 2007 ዓ.ም  ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ሒዙ ክጠፍእ ክብል ተታሒዙ ኣብ ቁፅፅር ክዉዕል እኳ እንተኻኣለ እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ህወሓት-ኢህወዴግ ክንደይናይ ውሽጡ በስቢሱ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ክብሉ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ሰለኽለኻ መዛረቢ ዛዕብኦም ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።