Sunday, March 29, 2015

ኣብ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ወተሃደራት ኢህወደግ ኣብ ሆቴላት ኣብ ልዕሊ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ወገናት። ከቢድ ግፍዒ ይፍፅሙ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣



ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝርከቡ ናይ ማእኸላይ እዝ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ። ኣብ ሆቴላት እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሓ ደቂ ኣነስትዮ ወገናትና ከቢድ ግፍዒ ይፍፅሙ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ። በዚ መሰረት ድማ ናይ’ቲ እዝ ኣባል ስታፍ ዝኾነ ሓለቓ ዓሰርተ ኣስፋዉ ዲዳ ዝተብሃለ ወተሃደር። ብ8 መጋቢት 2007 ዓ/ም ንሓንቲ ኣልማዝ ኣስረስ ዝተብሃለት  ላሊበላ ሆቴል ኣብ ዝተብሃለ እትሰርሕ ወገን። ካብ ድሌታ ወፃኢ ፍኑው ፀታዊ ርክብ ክፍፅም ፈቓደኛ ብዘይ ምዃና ጥራሕ ሓደ ዓይና ከም ዘጥፍኣ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
    እቲ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ሕልናዉን ኣካላዉን ማህሰይቲ ዝፈፀመ ወተሃደር ንክልተ መዓልቲ ጥራሕ ብምእሳር። ብተበዳሊት ዝቐረበ ክሲ ነፂጎም ፈቲሖም እንትሰድዎ። እታ ግዳይ ስንክልና ዓይኒ ዝወረዳ ዜጋ ግን ዝጣበቐላ ኣካል ስለ ዘይረኸበት ንመሕከሚ እኳ ስኢና ትሳቐ ምህላዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣