Sunday, March 29, 2015

ኣብ ከተማ ባህርዳር ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ክልላዊ ኣብያተ ትምህርቲ ስፖርታዊ ወድድር። ስፖርተኛታት ሒዞም ዝኸዱ ኣስልጠንቲ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ምንጭታት ገሊፆም፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ኣብ ወረዳ ከባብያዊ ምምሕዳር ከተማ ባህርዳር ገወቻ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ብ7 መጋቢት 2007 ዓ/ም መንነቶም  ብዘይተፈልጡ ሰባት ዝተቐትለ ኣሰልጣኒ ስፖርት። ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ሞይቱ ምስ ረኸብዎ ናብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከይዶም ሓበሬታ ኣብ ዝሃብሉ እዋን።  ተቐቢሎም ኣሲሮም የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣
   እቶም ዝምልከቶም ኣባላት ፖሊስ ግን እቲ ሚስጢር ከይወፅእ ይዓባብጥዎ እኳ እንተለዉ እቲ ዝተቐተለ ሰብ ካብ ክልል ትግራይ ተወዳደርቲ ስፖርተኛታት ሒዙ ዝኸድ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘሎ እናፈለጡ ፖሊስ እታ ከተማ  ነቲ ሬሳ ኣብ ከተማ ባህርዳር ድባንቂ መድሃኒኣለም ቤተክርስትያን ብ9 መጋቢት 2007 ዓ/ም ብነበርቲ ከም ዝተቐብረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣
    ካብ ከተማ ባህርዳር ከይወፃእና መንገዲ ንምስፋሕ ብዝብል ብሸኽ ኣላሙዲን ዝስራሕ ፅርግያ።ቅድሚ ሕዚ ህዝቢ ክቃወሞ ዝፀነሐ “መስቀል ኣደባባይ” ካብ 15 መጋቢት 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ብግሬደር ይፋሓር እኳ እንተሎ እቲ ነባሪ ህዝቢ ግን ክበፅሖ ካብ ዝኽእል ጨፍጫፍ ንምድሓን ስቕታ ምምራፁ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣