Thursday, March 5, 2015

ኣብ ዞባ ኣዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንኣባይ ግድብ ኣገልግሎት ንክውዕል ብዝብል ዝኣከብዎ ገንዘብ ብኣመሓደርቲ ይብላዕ ስለ ዘሎ ዝምልከቶ ኣካል ብሕጊ ክሓቶም ኣለዎ ብምባል ጥርዓኖም ከም ዘቕረቡ ተፈሊጡ።



   ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣብ ቤት ፅሕፈታት መንግስቲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት   ከም ዝገለፅዎ ቅድሚ ሕዚ ብድልየቶም ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ካብ ደመወዝና ንዕድጊት ቦንድ ዝኸፈልና ምዃና እናፈለጡ ሕዚ ድማ ካብ ድልየትና ወፃኢ ክንከፍል እናገደዱ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ገንዘብና ናብቲ ግድብ መስርሒ ክውዕል ዝግበኦ ሕጋዊ ብዘይኮነ ኣካይዳ ኣይተ ሙላት፤ ኣይተ ባይነሳኝ ፤ናይቲ ዞባ ኣመሓዳሪ ዝኾነ ባዘዘው ጫኔ ውሽጣዊ ምትሕብባር ገንዘብና ባኺኑ እዩ፣ ስለ ዝኾነ ድማ ብሕጊ ክሕተቱ ኣለዎም ብምባል ጥርዓን ከም ዘቕረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቦም ክሕተቱ ኣለዎም ዝብል ክሲ ካብ ዝቐረቦም ናይ ወረዳ ሓለፍቲ ይርጋ መንግስቱ ዝተብሃለ ኣብ ወረዳ ጃዊ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብኣዴን ዘለኣለም ብምረው፤ ናይ ወረዳ ኣንከሻ  ናይ ፋይናስ ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ከምኡ’ዉን  ኣይተነዉ ታዴ ካብ ጃዊ ወረዳን ካልኦትን ምዃኖም ተፈሊጡ።
   ብተመሳሳስሊ ኣብ ወረዳ ኣንካሻ ናይ ኣዘና ቤት ትምህርቲ  ናይ ወንበርን መፃሕፍትን ሽግር ከም ዘለዎም  ናይቲ ቤት  ትምህርቲ መምህራንን ተማሃሮን ብዘልዓልዎ ተደጋጋሚ ሕቶ  ናይቲ ወረዳ ኣማሓደሪ ጌታዬ ሁነናው ብወገኑ ካብ ዓቕመይ  ንላዕሊ  እዩ ስለ ዝበለ እቲ ፀገም መዕለቢ ሲኢኑ  ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።