Tuesday, March 10, 2015

ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ነበርቲ ወረዳ ምብራቕ እሰቴ መንግስቲ ቆላሕታ ክገብረልና ኣይከኣለን ብምባል ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢህወዴግ ዘለዎም መረረቶም ኣስሚዖም።



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እዞም ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ነበርቲ ወረዳ ምብራቕ እሰቴን ከባቢኡን ከምኡ‘ዉን ህዝቢ ከተማ መካነ-እዮሱስ  ብካድረታት እቲ ስርዓት ብዛዕባ ኣብ መፃኢ ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ዝምልከት ብተደጋጋሚ ኣኼባ ዝተኸየደሎም እንትኾኑ እቲ ህዝቢ ግን መንግስቲ ንዘጋጥሙና ዘለዉ ፀገማት ክፈትሐልና ኣይከኣለን፤ ክብሉ ኣብቲ ኣኼባ ምግላፆም ካብቲ ከባቢ ዝበፀሐና  ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
    እቶም ነበርቲ  ወሲኾም  ካብ ንፋስ መውጫ መካነ-እዮሱስን ከምኡ’ውን ንደብረታቦር ዘራኽብ ዝተበላሽወ ፅርግያ ብኣስፋልት ንኽስራሕ ተባሂሉ ብህዝቢ ዝተዋፅአ ገንዘብ ብኣማሓደርቲ እቲ ዞባ   ተጠፋፊኡ እዩ። እዚ ድማ ንቐፃሊ መረፃ ንመን ከም ንመርፅን መን ከም ዘርበሐናን ፈሊጥና ኣለና ክብሉ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ምግላፆም ተፈሊጡ።
     እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ መካነ-እዮሱስ ጋሳይ ጋይንትን ናብ ደብረታቦር ዘራኽብ መንገድን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ከተማ መካነ እዮሱሱ ናይ ረሳሕ ማይ መፍሰሲ ዝኸውን ቱቦታት ክሰራሕ ካብ ዝበሃል ዓመታት ዘቑፀረ እንትኾን ዛጊት ዘይ መስሪሕኡ ምኽንያት ነበርቲ ኣብ ዝሓትሉ እዋን ድማ እቲ ዞባ ብዘጋጠሞ ሕፅረት ባጀት’ዩ ክብል ከንቲባ ናይታ ከተማ  ወንድምነው ክንዱ ከም ዝመለሰ ክፍለጥ ተኻኢሉ።