Tuesday, March 10, 2015

ህዝቢ ከተማ ባህር ዳር ኣንፃር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዘካይዶ ዘሎ ተቓውሞ ብጥባሮ እቲ ስርዓት ክዕገት ከም ዘይከኣለ ካብታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።



    በመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲ ከተማ ባህርዳር ብምሕደራ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕታት ንምግላፅ ዝተፈላለዩ ተቓውሞታት ብምክያድ መረረቶም ይገልፁ ኣብ ዘለውሉ እዋን ሰበ ስልጣን እታ ከተማ ድማ እቲ ህዝባዊ  ናዕቢ ስለ ዘስገኦም ነቲ ኩነታት ንምህዳእን ብፍላይ ኣብ ዝቕፅል መረፃ ህዝቢ ዕንቕፋት ከይኾኖም ብምሕሳብ ንነበርቲ እታ ከተማ  ንመንበሪ ገዛ ዝውዕል መሬት ይዕድሉ’ኳ እንተለዉ ህዝቢ ግን በዚ ክታለል ከም ዘይከኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    በተመሳሳሊ ካብ ከተማ ባህርዳር ከይወፅእና ካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ንዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምቑፅፃር ክብሉ ልዕሊ 86  ሰለልቲ  ብምውፍር ህዝቢ የጋፍዑ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ  እዞም  መጋበርያ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ልኡዃት ኣብ ቤት መስተ፤ኣብ ኣብያተ ትምህርት፤ ቤተ ክርስትያናትን መሳጊድን ካልእን  እናዞሩ ሕብረተሰብ  የፈራርሑን ይኣስሩን  ምህላዎም ተፈሊጡ።