Sunday, March 29, 2015

ዘይክውን ፀብፀብ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ሕዝውን ይቕፅል



    ሰበ ስልጣናት መራሕቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባታት ኣብ መሬት ምስ ዘሎ ሓቂ ፈፂሙ ዘይጠዓዓም ብዕራይ ወለደ ዝዓይነቱ ፃዕዳ ሓሶት እናፀብፀቡ ንገዛእ ህዝቦም ከደናግሩ ምፅንሖምን ሕዝ’ውን ይቕፅልሉ ምህላዎምን ይፍለጥ፣
    ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ዕላማን ራእን ሰኒቑ። ንምዕባለ ህንፀት ሃገር ዝንቀሳቐስን። ንምጥፋእ ድኽነትን ድሕረትን ፃዕርታት ዘካይድ ስርዓት። ፍረ ውፅኢት ቃልሱ ኣብ ውሽጢ’ቲ ይቃለሰሉ ኣለኹ ወይ ይመርሖ ኣለኹ ዝብሎ ማሕበረሰብ ከርእዮ ግድን’ዩ፣ ማሕበራዊ ናብራ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ፤ ሃፍቲ ሃገር ኣብ ኢድ ውልቀ ሃፍታማት ወዲቑ እቲ ኣብዝሓ ሕብረተሰብ ብድኽነትን ድሕረትን ዝሳቐ እንተኾይኑ ግን። ሺሕ ግዜ ዕብየትን ምዕባለን ሃገር ተረጋጊፁ ተባሂሉ ዋላ እንተተዘመረሉ። ድምር ውፅኢቱ ዜሮ ካብ ምዃን ዓዲ ኣይውዕልን፣
    መራሕቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሱሩዓት ዓኼባታቶም ኣዝዮም ብዙሓት ዘይኩውናት ፀብፃባት እናስምዑ ከም ዝሓለፉ ኩሉ ሎሚ’ውን ኣብ ከይዲ 4 ዘመን መበል 17 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ቀፂሎምሉ’ዮም፣ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት ምኽሪ ብገለ ገለ ኣባላት ዝተለዓሉ ሕቶታት ዝተማልአ መልሲ ተዋሂብዎም ዝተሓልፉ ዘይኮኑስ። ከምቲ ልሙድ ክንሰርሖ ኢና፤ ሽግራት ነይሮሙና፤ ተሓሲብሉ’ሎ፤ ተፀኒዑ’ሎ ወ.ዘ.ተ ዝብል ናይ ሕጫጨ መልስታት ተዋሂብዎም ሓሊፉ’ዩ፣
   እዞም ብናይ ህዝቢ ስቓይን ሽግርን ዘሽካዕልሉ ሰብ ግዜ  ሹመኛታት። ዓመት መፀ ዝጥቀምሉ ዒባራ ምክንያታት። ሕዝ’ውን ክደጋግምዎ ምስማዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሎዎም ንዕቀት ዘመላኽት’ዩ፣
    መራሒ ክልል ትግራይ ኣባይ ወልዱ ኣብ ዝሓለፉ  መዓልታት። ማለት ኣብ መበል 17 ስሩዕ ጉባኤ ኣብ ዘስመዖ ናይ ፀብፃብ መደረ። ወዮ ሕርሻ ክልልና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ምምሕያሽ እንራኣየ’ዩ፤ 51 ሚኢታዊ ካብ ተሓራሳይ መሬትና ብናይ መስኖ ዘራእቲ ተሸፊኑ እተባሃለ ዝተዘረበሉ ዘስደምም ዘይክውን ፀብፃብ ክህብ ድሕሪ ምፅንሑ። ተመሊሱ ሎሚ ድማ ዓውዲ ሕርሻና ክዓቢ ዘይከኣለሉ ምኽንያት። መዳበርያ፤ ምሩፅ ዘርኢ፤ ዱኽዕን ኮምበስን ዘይምጥቃምናን። ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ወኪላት ሕርሻ ብዝግባእ ኣብ ኣዝርእቲ ክትትል ክገብሩ ዘይምኽአሎም’ዩ ኢሉ ክዛረብ ተዓዚብናዮ፣
    ሓላፊ ሃፍቲ ማይ። ላዕለዋይ ካድረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣለም ገብረዋህድ። ኣብ ዝሕዚ እዋን ዳርጋ ኣብ መላእ ትግራይ አጋጢሙ ንዘሎ ናይ ማይ ፀገም። ከምቲ ኩሉሳብ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት ምኽሪ ዝለዓል። ሎሚ’ውን  በቶም ወከልቲ ህዝቢ ተባሒሎም ዝተቐመጡ ኣባላት ንዝቐረበ ሕቶ። ክስራሕ’ዩ፤ ተፀኒዑ’ሎን ትልሚ ሒዝናሉ ኣለናን ካብ ምባል ሓሊፉ ካብቲ ናይ ወትሩ ዝዛረቦ  ፍሉይ ዝሃቦ መልሲ ኣይነበረን፣
   ህንፀት መንገድታት ኣብ ዝምልከት’ውን እንተኾነ። ማለት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተጀመሩ ፅርግያታት ኣብ ግዚኦም ዘይምፍፃም፤ እቶም ዝስርሑ ፅርግያታት እውን እንተኾነ ካብ ፅርየቶም ኣትሒዝካ ክሳብ ነቲ ስራሕ ዝመርሑ አካላት ኣብ ምጥፍፋእ በጀት ዘርእይዎ ፀገማት፤ እቶም ዝህነፁ መንገድታት ንኹለን ከተማታት ዘየማእኽሉ ምዃኖም፤ ቅድም ኢሎም ንዝተሰርሑ መንገድታት ምስተበላሸው ቅልጡፍ ፅገና ዘይምግባር፤ ኣብ ሕሉፍ ኣኼባታት ክስርሑ ተባሂሎም ቃል ንዝተኣተወሎም መንገድታት ዘይምስራሕ፤ እቲ ዝዓበየ ፀገም ድማ ወረዳን ጣብያታትን ዘራኽቡ መንገድታት ኣብ ምስራሕ ርኡይ ምጉታት ከም ዘሎን። ብሓፈሻ እቲ ኣብ ፀብፃብ ዝቐርብን ኣብ ተግባር ዝርአ ፍረ ነገርን ኣዝዩ ዘይራኸብ ምዃኑ በቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ብዘየሻሚ መንገዲ ተገሊፁ’ዩ፣
    ካልእ አባይ ወልዱ ብተደጋጋሚ ዝዛረበሉ ጉዳይ ኣግሮ እንድስትሪ አብ ዝምልከት‘ውን። ሓረስታይ ትግራይ ዓመት ሙሉእ ፅዒሩ ዘፍረዮ ፍርያት ሰኣን ስእነት ዕዳጋ። ተለቂሑ ንዝወሰዶ ዋጋ መዳበርያ እኳ ክኸፍል ዓቕሚ ስኢኑ። ብሰንኪ ዕዳ ክእሰርን ሓዳሩን መረበቱን ገዲፉ ፎቖዶ ስደት ፋሕ ፋሕ ዝብለሉን ኩነታት እዩ ዘሎ፣
    ብአጠቃላሊ ህዝብና በቶም ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ካብ ዝስለዐሉ ናይ ዕቤት ኣሃዝ ሓሊፉ ኣብ ተግባር ዝተመዝገበ  ለውጢ ብዘይ ምህላዉ ካብ መስመር ድኽነት ክወፅእ ኣይከአለን፣