Tuesday, March 3, 2015

ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ፀረ ህዝቢ ተግባራት ክፍፅሙ ዝተረኸቡ ኣባላት ፖላዊስ ብነባሪ ህዝቢ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደሎም ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ከተማ ፈረስ ማይ ዝተለኣኹ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ጉጅለ ኢህወዴግ ብ7 ለካቲት 2007 ዓ/ም ንሓደ መንእሰይ ኣብ ዕለተ መርዕኡ ብገበን ከሲ ተደሊኻ ኣለኻ ኢሎም ኣሲሮም ክወስድዎ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እቲ ስነ ስርዓት መርዕኡ ዘካይድ ዝነበረ መንእሰይ    ቀቲልዎም ከም ዘምለጠ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ዝተቐተሉ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ፀጋይ ታደስን ተኽላይ ሃይሉን ዝተብሃሉ ኮይኖም ፖሊስ ፈረስ ማይ እቲ መንእሰይ ስለ ዘምለጠሎም ኣብ ክንድኡ ነቲ ኣብቲ መርዓ ዝነበረ ብርክት ዝበለ ህዝብ ኣሲረሞ ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ ኣብያተ ማእሰርቲ ስለ ዝፀበቦም ኣብ ናይ ዉልቀ ሃፋትም ገዛ ከይተረፈ ብዙሕ ንፁህ ህዝቢ ኣሲሮም የሳቕዩ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ዳንሻ ሓደ ሁኖው ዝተብሃለ  መንእሰይ ብ12 ለካቲት 2007 ዓ.ም ሰዓት 3፣00 ናይ ምሸት ዝተፈላለዩ ግፍዒታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክፍፅም ንዝፀንሐ ኣታላይ ንዝተብሃለ ኣባል ፖሊስ ከተማ ዳንሻ ብበትሪ ቀጥቂጡ ከም ዝቐተሎ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ የረድእ።