Tuesday, March 3, 2015

ኣብ ከተማ ጎንደር ናብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ብለይቲ ቡምባ ከም ዝተደርበየ ተፈሊጡ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ጎንደር ቀበሌ 04 ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ብ10 ለካቲት 2007 ዓ/ም ለይቲ ቡምባ ከም ዝተደርበየ ድሕሪ ምግላፅ ናይ’ቲ ዕለት ተረኛ መኮነን ዝነበረ መርማሪ ፖሊስ ሽዋን ይግዛው ታፈሰ ዝተብሃለ ድማ በቲ ዝተፈንጀረ ቡንባ ሰንቢዱ ካብ ክፍሉ ወፂኡ ንምምላጥ  እንትፍትን ብሽጉጥ ተወቒዑ ከም ዝተቐተለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    ነቲ ቦምባ ዝደርበዩን ነቲ ዕሱብ መርማሪ ፖሊስ ናይ’ቲ ስርዓት ዝቐተሉን መንነቶም ብወግዒ’ኳ እንተዘይተፈለጡ ብኢ-ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ናይቶም ፖሊሳት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕን በደል ዝተማረሩ ዜጋታት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ።