Thursday, March 26, 2015

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ መልእኽቲ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ዝሓዘ ፓምፍሌት ከም ዝተበተነን ህዝቢ ድማ ብሓጎስ ከም ዘንበቦን ምንጭታትና ሓቢሮም፣



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ብ12 መጋቢት 2007 ዓ/ም ኣብ ዝተፈለለዩ ከተማታት ትግራይ ዝተበተነ መልእኽቲ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ኣብ ኢድ ህዝቢ በፂሑ ከንበብ ከም ዝኻኣለ ተፈሊጡ፣
      ካብቶም ፓምፍሌት ዝተበተነሎም ከተማታት ኣብ’ታ ኣስታት ፍርቂ  ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ ሓውዜን ኣደባባይ ቀበሌ 15ን ካልኦት ከተማታትን እንትኾን። ነቲ ፓምፍሌት ዘንበበ ህዝቢ ድማ ዕላማ  መቃለሲ ውድብ ዴምህት እዋናውን ፍትሓውን ምዃኑን ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ድማ ትርጉም ከም ዘይብሉን እቲ እንኮ መማረፂ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምዃኑ ህዝቢ ተረዲኡ ክላዓል ከምዘለዎ ዝሕብር መልእኽቲ ዝሓዘ ከም ዝነበረ ዝገለፀ እተ ሓበሬታ ፓምፍሌት ዴምህት ተበቲኑ ኣብ ኢድ ህዝቢ ከም ዝበፀሐ ዝፈለጡ ሰበ ስልጣን ህወሓት/ኢህወዴግ ድማ ኣብ ዓብዪ ወጥርን ጭንቕንቕን ስለ ዝኣተዉ። ኣባላት ድህንነትን ፖሊስን ኣዋፊሮም ነቲ ነባራይ ህዝቢ ከፈራርሕዎን ናብ ስርሑ ብናፅነት ከይንቀሳቐስ ይከታተልዎን ዕንቅፋት ይፈጥርሉን ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣  እዚ በራሪ ወራቓቕቲ ናይ ምብታን ተግባር ኣብዚ 2 ውርሒ ጥራሕ 3 ግዜ ይብተን ከም ዘሎ ይዝከር፣