ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ላዕለዎት ሰበ
ስልጣን ጉጅለ ኢህወዴግ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሪሕቕዎም ከም ዘሎ ስለ ዝተረዱ። ናብ ክልላት ክገሹ እንተለዉ ንድሕነቶም ስለዝሰግኡ ኔት-ዎርክ
/ኢንተርኔትን ቴሌፎንን / ክቋረፅ ምግባር ከም ሓደ መሰርሕ ይጥቀምሉ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ። ህዝቢ ካብን ናብን ብምርኻብ ዕለታዊ ስራሕቱ
ንምስላጥ ኣዝዩ ተሸጊሩ ከም ዝርከብ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
በዚ መሰረት ድማ ህዝቢ ፀገሙ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኣብ ዝጠርዓሉ
እዋን። ግዝያዊ ናይ ቴክኒክ ፀገም እዩ ቀልጢፍና ክንፈትሖ ኢና ብምባል ነቲ ህዝቢ ከታልልዎ ይፍትኑ እኳ እንተለዉ። ህዝቢ ግን
እቲ ስርዓት ኮነ ኢሉ ንዝገብሮ ዘሎ ምቑራፅ ኔትዎርክ ኣፀቢቑ ፈልጥዎ
ስለዘሎ “ክሳብ መዓዝ እዩ ከምዚ ኢልካ ናብራ” ብምባል መረረቱ ኣብ
ምህላፅ ከምዝርከብ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታየመልክት፣