Friday, March 13, 2015

ነባሪ ህዝቢ ከተማ ባህርዳር ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይዱ ውድባት እምነት ከም ዝሰኣነ ኣብቲ ከተማ ዝርከቡ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ነባሪ ህዝቢ ከተማ ባህር ዳር ብገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብጣዕሚ ተማሪሩ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ወፅዓኡ ንምፍታሕ ድማ ምስ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይዱ ውድባት ተሰሊፉ ዝፀንሐ እንትኾን ኣብዚ ሕዚ ግዜ ግን ናይ ፖለቲካ ውድባት ለውጢ ክተምፅኡ ኣይትኽእሉን፤እቲ ስርዓት‘ውን ንፖለቲካዊ ቃልሲ ዘዳኽም ስለ ዝኾነ ስርዓት ኢህወዴግ ዝወድቀሉ ናይ ባዕልና ካልእ መማረፂ ክንወስድ ኢና  ብምባል ሓሳቡ ከም ዘቕረበ ተገሊፁ።
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ  ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ናብቶም ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ ውድባት ተቓወምቲ ኣምሲሉ ስለያታት ብምልኣኽን ብገንዘብ ኣባላት ተቓወምቲ ብምድላልን ባዕሎም ንባዕሎም ኣብ ምብኣስ፤ ምብትታንን ምድኻምን ዓበይቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ዝመፀ ኢ-ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ስለዝኾነ ኣብ ሕቑፉ ኮይንካ ካብ ስልጣኑ ክእለይ ስለዘይኽእል በቲ ንሱ ዝመርፆ ብረታዊ ቃልስን በብኸባቢና ተወዲብና ናዕቢ ብምልዓል ክንኣልዮ ይግባእ ዝብል መርገፂ ይሕዝ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።