Friday, March 13, 2015

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣቦ ወንበር ብኣዴን ደመቀ መኮነን ኣብ ከባቢወረታ ምስ መረፃ ዝተተሓሓዘ ዘካየዶ ጎስጓስ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ተሓቢሩ።



     ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ጎንደር ፍሉይ ሽሙ ወረታ ኣብ ዝተብሃለ  ስፍራ ብደመቀ መኮነን ዝተመረሐ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ንስኹም ከም ስእሊ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢልኩም’ምበር ዝሰራሕኹምዎ ስራሕን ዘምፃእኹምዎ ለውጥን የለን ብምባል በቲ መራሒ መድረኽ ዝዝረቡ ዝነበሩ መደረታት ብህዝቢ ተቐባልነት ስኢኖም እቲ ኣኼባ ብዘይ ምርድዳእ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ።
ናይ መረፃ ወቕቲ ኣብ ዝተቐራረበሉ እዋን መራሕቲ ኢህወዴግ ነቲ ቆላሕ ኢሎምዎ ዘይፈልጡ ህዝቢ ነናብ ጣብያኡ እናዘሩ ናብ ኣኼባ ብምፅዋዕ ስርሑ ገዲፉ ኣብ ኣኼባ ንክውዕል ይገብርዎ ከም ዘለውን ህዝቢ’ውን ብወገኑ  ኣበይ ትፈልጡና ሕዚ መረፃ ምስተቓረበ ብኣኼባ ተጨንቑና ይብሎም ከም ዘሎ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ኣረዲኦም።