Tuesday, March 3, 2015

ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክወስዶ ተሓሲቡ ዝነበረ ቁፅሪ መምረፂ ካርድ ስለ ዘይወሰደ ካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቖም ምህላዎም ተፈሊጡ።



  ነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መምርፂ ካርድ ንኽወስድ ብካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ክግበረሉ ዝፀንሐ ጎስጓስ ብምንፃግ ካርድ መምረፂ ብዘይ ምዉሳዱ ስለ ዝሰግኡ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ድማ ብ13ን 14ን ለካቲት 2007 ዓ.ም ህዝቢ ኣኪቦም ካርድ ንኽወስድ ዋላ’ኳ እንተለመንዎ ሰማዒ ከም ዘይረኸቡ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እቲ ግዕዙይ ኣካይዳ እቲ ስርዓት ዘስካሕኽሖም ነበርቲ እታ ከተማ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዘቕረብዎ ሓሳብ “ህዝቢ እኹል መምረፂ ካርድ ወሲዱ እናበልኩም ብሚድያታት ከተጋውሑ ከም ዘይፀናሕኹም ስለ ምንታይ ደኣ ሕዚ ካርድ ውሰዱልና እናበልኩም ትልሙኑና ኣለኹም?” ብምባል ነቲ ናይ ምድንጋር ተግባሮም ብምንፃግ ነቲ ኣኼባ ረጊፆሞ ከም ዝወፁ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።