Tuesday, March 3, 2015

ካብ መረፃ ኢህወዴግ ተስፋ ዝሰኣነ ህዝቢ ሰሜን ጎንደር ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ነባሪ ናይ መረፃ ካርዲ ከም ዘይወሰደ ተፍሊጡ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ህዝቢ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣብ ሃገርና ፍትሓውን ዴሞክራስያውን መረፃ ክካየድ ከም ዘይኽእል ኣቐዲሙ ስለ ዝነፀረሉ ካብቲ ካርድ መረፃ ክወስድ ዝግበኦ ህዝቢ ትሕቲ ፍርቂ  ከም ዝተመዝገበ ተፈሊጡ።
    በዚ መሰረት ድማ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾነ ህዝቢ ስለ ዘይተመዝገበን እቲ ክምዝገብ ዝግብኦ ነባሪ ሕብረተሰብ ከይተመዝገበ ግዜ ብምብቅዑን ናይ’ቲ ዞባ ኣመሓዳሪ ብ12 የካቲት 2007 ዓ/ም ተወሳኺ ግዜ ሓቲቱ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብ መላእ ሃገርና ናይ መረፃ ካርድ ዝወሰደ 34 ሚሊዮንን ሸሞንተ ሚኢቲ ሽሕ ህዝቢ ተመዝጊቡ እናተበሃለ ኣብ ቴሌቪዥን ህወሓት-ኢህወዴግ ዝቐረበ ኣሃዝ ፈፂሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ክብሉ ብዝሓት ግዱሳት ዜጋታት ይዘራረብሉ ከምዘለው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።