Tuesday, March 31, 2015

ኣብ ደቡብ ወሎ ከተማ ደሴ ሓደ ኣባል ፖሊስ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ከም ዝተቐትለ ተገሊፁ፣



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ። ኣብ ክልል ኣምሓራ፤ ዞባ ደቡብ ወሎ፤ ከተማ ደሴ፤ ቀበሌ 05፤  ኣሬራ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ። ሓደ ሳጂን ሓቢብ እንዳለ ዝተብሃለ ተወላዲ  ከባቢ ጎጃም ዝኾነ ኣባል ፖሊስ። መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ብ2 መጋቢት 2007 ዓ.ም ተቐቲሉ ከም ዝተረኽበ ተፈሊጡ፣
   ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ህዝብና ብደረጃ ሃገር ን5 ግዜ መፃኢ ግንቦት ዝካየድ ምስሉይ መረፃ። ኣይንሳተፍን ንመርፆ የብልናን ኢሉ ይቃወም ኣብ ዘለሉ እዋን። ብኣባላት ፖሊስን ካድረታትን ተገዲዱ ካብ ገዝኡ ብምዉፃእ። ዘይትመርፀሉ ምኽንያት እንታይ እዩ እናበሉ ዕርፍቲ ኣስኢነሞ ብምህላዎም። በዚ ዝተቖጥዑ ወገናት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ክኸዉን ከም ዝኽእል ብዙሓት ወገናት ኣብ ምግላፅ ከምዘለው ንምፋልጥ ተኻኢሉ፣