Tuesday, March 31, 2015

ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊቱ እምነት ብምስኣኑ። ነቲ ሓደ ኣዉሪዱ ነቲ ካልእ ኣብ ምድያብ ተፀሚዱ ከም ዘሎ ምንጭታትና ገሊፆም፣



    ብመሰረት ካብ ምክልኻል ሰራዊት ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ። እቲ ብዉሽጣዊ ኣሰራርሕኡ በስቢሱ ብኣዘዝቲ ሰራዊቱ እምነት ስኢኑ ዘሎ ስርዓት ኢህወደግ። ኣብ ክፍለ ሰራዊት 31 ዋና ኣዛዚ ኮይኑ ክሰርሕ ንዝፀንሐ ንኮነሬል ጋይም እምነት የብሉን ብዝብል ምኽኒት። ካብ ዝነበሮ ደረጃ ኣዛዝነት ብምዉራድ። ኣብ ክንድኡ ኮለኔል ዘነበ ዝተብሃለ ካብ 23 ክፍለ ሰራዊት ኣምፂኡ ኣዛዚ ብምግባር ንኮሎኔል ጋይም ምክትል ከም ዝገበሮ ተፈሊጡ፣
    ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ናይ ኣመራርሓ ለዉጢ ብምግባር ካብ ዘለዎ ስግኣት ዝድሕን ስለ ዝመሰሎ። ናይ 7 መካናይዝድ ኣዛዚ ዝነበረ ኮሎኔል እሽቴ ካብ ዝነበሮ ቀንዲ ኣዛዝነት ወሪዱ ኣብ’ታ ናይ ኣመራርሓ ለዉጢ ዝግበረላ ዘሎ 31 ክፍለ ሰራዊት ብሳልሳይ ደረጃ ኣዛዚ ኮይኑ ክሰርሕ ተመዲቡ ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ። እንተኾነ ግን በቲ ዝግበር ዘሎ ካብ ሓላፍነት ምዉራድ ምድያብ ዘይተሓጎሱ ኣዘዝቲ። ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዝኸፈአ ጉድኣት ከብፅሑ ከም ዝኽእሉ ካብቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣