Tuesday, March 31, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ካድረታት እቲ ስርዓት ንነባሪ ሕብረተሰብ ናይ ስዉኣት ገንዘብ ኣዋፅእ። እንተዘይ ኮይኑ ቀረብ ሃለኽቲ ነገራት ኣይትረክብን እናበሉ የፈራርሕዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዘለዉ ኣባላት ገዛኢ ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ንነባሪ ህዝቢ ብመንግስቲ ዝቐርብ ዘይትን ሽኮርን ክትረኽቡ እንተኾይንኩም ናይ ስዉኣት ገንዘብ ኣዋፅኡ እናበሉ ብኣልማሚት የገድድዎ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ። ኣብ’ታ ከተማ ዝነብሩ ስድራ ስዉኣት ድማ ንሕናስ ስድራ ስዉኣት እንዲና ካባና ገንዘብ ወሲድኩም ንመን ኢኹም ክትህብዎ ደሊኹም ብምባል ኣብ ምቅዋም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣
    ብተወሳኺ ህዝቢ እታ ከተማ ስድራ ስዉኣት ንዘልዓልዎ መቃወሚ ሓሳብ ብምድጋፍ ነቶም ካድረታት ገንዘብ ካብ ህዝቢ ብሓይሊ መንዚዕኹም ኣበይ ዝርከቡ ስድራ ስዉኣት ኢኹም ክትህብዎም። ብሓቂ እንተኾይኑ ኣብ’ዚ ዘለዉ ስድራ ስዉኣት ኣዋፅኡ ኣብ ክንዲ ክብሃሉ ቀዳምነት ክድገፉ ይግባእ፥ እንተዘይ ኮይኑ ብሽም ስዉኣት ኣዋፂእኹም ከም ኣመልኩም ተቖፃፃሪ ዘይብሉ ክትበልዕዎ ኢኹም ደሊኹም ኣይንኣምነኩም ስድራ ስዉኣትና ባዕልና ኢና ንሕግዝ ከም ዝበሎም  እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣