Tuesday, March 31, 2015

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ጉለ መኻዳ ከተማ ዛላምበሳ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ንፅጉማት ሓገዝ ተባሂሉ ዝመፀ እኽሊ ሸይጦም ይበልዕዎ ምህላዎም ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ንዝርከቡ ፀገም መነባብሮ ዘለዎም ወገናት ሓገዝ ክዉዕል ተባሂሉ ካብ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝተረኸበ እኽሊ። ኣብ ኢድ ፅጉማት እንተይበፀሐ ካድረታትን ኣመሓደትን ምስ ነጋዶ ተሻርኾም ኣየር ብኣየር ብምሻጥ ተኻፊሎም ኣብ ዉልቃዊ ጥቕሞም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ ንምፋላጥ ተኻኢሉ፣
  ንስሱዕ ተግባር ኣመሓደርቲ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተዓዘበ ነባሪ ህዝቢ ድማ ብሽም ፅጉማት ዝተረኸበ ስርናይ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ቀሺ ቢዘን ንዋይ ምስ ተወለመድህንን ዝተብሃለ መሳርሕቱን ካልኦትን ብምዃን ሸይጡ በሊዕዎ ኢሎም። ናብ ወረዳን ዞባን ጥርዓን ዋላ እኳ እንተቕረቡ ሰሚዑ ፍታሕ ዝህብ ኣካል ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ፣