Tuesday, March 31, 2015

ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝርከቡ ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መሬትኩም ክትጥቀምሉ እንተኾይንኩም ኢንቨስተራት ኩኑ። እንተዘየለ ክትሕደጉ ኢኹም ስለ ዝተብሃሉ ኣብ ዓብዪ ወጥሪ ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ፣




ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ፍሉይ ቦታ ሩዋሳ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝነብሩ ሓረስቶት። ብሕጋዊ መንገዲ ተዋህብዎም ክጥቀምሉ ዝፀንሑ ናይ ሕርሻ መሬት ምሳኹም ክቕፅል እንተኾይኑ ኢንቨስተራት ኢና ኢልኩም ተመዝገቡ እንተዘየለ ንኢንቨስተራት ክንዕድሎ ኢና ክብሉ ኣመሓደርቲ ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ብ13 መጋቢት 2007 ዓ.ም ስለ ዝነገርዎም። ኣብ ዓብዪ ወጥርን ጭንቕንቕን ወዲቖም ምህላዎም ምንጭታትና ገሊፆም፣
    እቶም ሓረስቶት ኢንቨስተር ከብል ዝኽእል ዓቕሚ የብልናን መሬትና ተወሲድኩሞ ስድራና ብምንታይ ክነመሓድር ክብሉ ሓሳብ ኣብ ዘቕረብሉ ግዜ  ካድረታት እቲ ስርዓት ንሕና ንፈልጦ የብልናን እንተደሊኹም ኢንቨስተር ዘብል ነጥብታት ኣማሊእኹም ቀፅሉ። ኣይከኣልኩምን ከኣ መሬት ናይ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ልቐቑ ስለ ዝበልዎም። ኣብ ልዕሊ እቲ ብልሽው ምሕደራ ህወሓት/ኢህወዴግ መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ፣