Sunday, March 29, 2015

ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ መፃኢ ምስሉይ መረፃ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሃገርና ንፁሃት ዜጋታትና ይኣስር ከም ዘሎ ካብ ምንጭታትና ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት እቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ምስ  መረፃ ብዝተተሓሓዘ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናፈጠረ ንፁሃት ዜጋታትና እናኣሰረ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ምስ ኣሸበርቲ ርክብ ፈጢርኩም ብዝብል ዕባራ ምኽንያት ካብ ዝተኣሰሩ ወገናት ድማ። ተካልኝ ዋሴ ዝተብሃለ ምስ ካልኦት ንግዚኡ ኣስማቶም ዘይተፈልጡ ሰለስተ ሰባት ብ9 መጋቢት 2007 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ሑመራ ተንቀሳቒሶም እናሰርሑ ኣብ ዝነበሩሉ። በቶም ተላኣኣኽቲ ገዛኢ ስርዓት ዝኾኑ ኣባላት ድህንነት ተሓፊሶም ከም ዝተኣሰሩ ኣረዲኡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስ መፃኢ መረፃ ብዝተተሓሓዘ ፍተሻ ቅድሚ ምጅማሩ ዝተሓብአ ብረት ኣመዝግቡ ብምባል ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ነቲ ነባሪ ሕብረተሰብ እናጨነቕዎ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ኣረዲኦም፣
ብተወሳኺ ድማ ኣብ ደብረዘይቲ ኣብ ውሽጢ ወተሃደራዊ ኢንጅነሪንግ መሰልጠኒ ማእከል ዝርከቡ። ካብ ሸሞንተ ንላዕሊ ናይ ራብዓይ ዓመት ሲቪል ኣቬሽን ኤሮ ስፔስ ዲፓርትመንት ተማሃሮ። ካብ 7 መጋቢት 2007 ዓ/ም ጀሚሮም ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ካብ ትምህርቶም ከም ዝተኣገዱ ካብቲ ቦታ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣