Sunday, March 29, 2015

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ወረዳ ኣሶሳ። መንጌ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝተረኸበሉ ናይ ተቓዉሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ። ምንጭታትና ኣፍሊጦም፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ካብ ሸርቆሌ ናብ ከተማ ኣሶሳ ኣብ ዝወስድ መንገዲ መንጌ ኣብ ዝተብሃለ ቀበሌ ብ8 መጋቢት 2007 ዓ/ም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ተቓወምቲ ዉድባት ዝተረኸብሉ ናይ ተቓዉሞ ሰለማዊ ዝተኻየደ እንትኸዉን ነቲ ሰልፊ በዝሒ ዘለወን ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ ዝዓጀብኦ እንትኾና። በዚ ዝተሰናበዱ ኣመራርሓ እቲ ስርዓት ድማ ካብ ከተማ ኣሶሳ ወፂእኻ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሰፈር ዝመፁ ወተሃደራቱን ኣባላት ፖሊስን ነቲ ሰልፊ ክብትንዎ ዋላኳ እንተፈተኑ። እቲ ህዝቢ ግን በቶም ዕጡቛት ከይተደናገፀ ንነዊሕ ስዓታት ተቓዉምኡ ከም ዘስመዐ ተፈሊጡ፣
    ካብ’ቲ ክልል ከይወፃና ኣብ ወረዳ ባምባስ ንልዕሊ 18 ዓመታት ክነብሩ ዝፀንሑ ተወለድቲ ኦሮሚያ ዝኾኑ ወገናት። ብተለኣኣኽቲ ካድረታት እቲ ስርዓት  ንኢህወደግ ክመርፁ ዝተገበረሎም ጎስጓስ ስለ ዘይተቐበልዎ። ነዚ ስዒቡ ድማ ብመንግስቲ ንኢቨስትመንትን መንበርን ተባሂሉ ዝተውሃበኩም ናይ ሕርሻ መሬት ክትምንጠሉ ኢኹም ኢሎም ከም ዘጠንቀቕዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣