ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሓበርዎ ኣብ ክልል ዓፋር
ከባቢ ባዳ ፍሉይ ሽሙ ናማ ጉቢ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ
ዝነበረ ምክትል ኣመሓዳሪ ኣርባ ዓሊ ምስ ሙሳ መሓሙዳ ዝተብሃለ ዕጡቕን ካልኦትን ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ናይ ግፍዒ
ተግባራት ክፍፅሙ ከም ዝፀንሑን ናብ 23 ለካቲት 2007 ዓ/ም ዘውግሕ
ለይቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሒዞም ክወስድዎም ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ስለ ዝኣበዩ ኣብቲ ቦታ ከም
ዝተቐተሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እዞም ካድረታት ስርዓት ኢህወዴግ ስልጣኖም
ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደላት እናፈፀሙ ከም ዝፀንሑን በቶም ዕጡቓት ካብ ሕማቕ ተግባራቶም ንክቑጠቡ ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ
ተዋሂብዎም ክሰምዑ ስለ ዘይከኣሉ እቲ ስጉምቲ ክውሰደሎም ከም ዝኸኣለ ወሲኹ ኣረዲኡ።