Sunday, March 8, 2015

ንነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተፅዕኖ ንገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ንኽመርፅ እሙናት ካድረታት እቲ ስርዓት ከግድድዎ ከም ዘለዎም ኣብ ዕፁው ኣኼባ ጥቡቕ ትእዛዝ ከም ዝተወሃቦም ካብ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



    ኣብ ከተማ  ኣዲስ  ኣበባ  ተኣመንቲ ዝበሃሉ ካድረታት እቲ ስርዓት  ብ21 ለካቲት 2007 ዓ/ም ብስብሓት ነጋ ኣኼባ ከም ዝተኻየደሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣጀንዳ  ናይቲ ኣኼባ  ድማ ብዛዕባ መፃኢ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ መረፃ ኮይኑ መምረፂ ካርድ ክወስድ ተሓሲቡ ዝነበረ ቁፅሪ ህዝቢ  ክንድቲ ዝድለ ኣይኮነን እቶም ወሲዶም ዝበሃሉ እንተኾኑ‘ውን ኣብቲ ስርዓት እምነት ዘለዎም ሰባት ውሑዳት እዮም ዝብል ሓሳብ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ በዚ እምቢታ ህዝቢ ዝሰግኡ ስበ ስልጣን ህወሓት ኢህወዴግ “ነቲ ምስ ተቓወምቲ ወጊኑ ዘሎ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓይሊ እናፈራራሕኹም ንኢህወዴግ ንኽመርፅ ከተገድድዎ ኣለኩም ዝብል ብስብሓት ነጋ ነቶም እሙናት ካድረታት ናይቲ ስርዓት ናይ ኣስገዳድ መደብ ከም ዘውረደሎም ምንጭታታና ካብታ ከተማ  ዝለኣኽዎ ሓበሬታ የመልክት።