ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ካብ 1997 ክሳብ 2002 ዓ/ም መወዳእታ ብፌደራል ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዒ ዝነበረ ኣይተ ጥላሁን ኣበበ
ብ8ተ ለካቲት 2007 ዓ/ም ሰዓት 9ተ ናይ ቀትሪ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፈረስ ቤት ዝተብሃለ ተዓፊኑ ከም ዝተወስደ ዝገለፀ
እቲ ሓበሬታ ቤተሰቡ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይምፍላጦም ምኽንያት ንኣይተ ኣምደ ወርቁ ልየው ብተደጋጋግሚ ኣበይ ከም ዝውሰድኩሞ ንገሩና ብምባል እንትሓቱ ዛጊድ ኣበይ ከም ዘእተዉዎ መልሲ ከም ዘይረኸቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ፌደራል ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ዝነበረ
ኣይተ ጥላሁን መፃኢ መረፃ ንምትዕንቓፍ ካብ 6ተ ንላዕሊ መንእስያት ናብ ብረኻ ኣእትዩ ከሰልጥን ተረኺቡ ብዝብል
ናይ ሓሶት ውንጀላ ተኣሲሩ ከም ዝርክብ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።