Thursday, March 5, 2015

ገዛኢ ጉጅለ ወያነ ኢህወዴግ ኣፍልጦ ዘለዎም ተቓወምቲ ውድባት ኣድራሻኦም ኣብ ምጥፋእ ውዲት ተዋፊሩ ምህላዉ ምንጭታትና ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



     ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ካብ 1997 ክሳብ 2002 ዓ/ም  መወዳእታ ብፌደራል ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዒ ዝነበረ ኣይተ ጥላሁን ኣበበ ብ8 ለካቲት  2007 ዓ/ም  ሰዓት 9 ናይ ቀትሪ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ  ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፈረስ ቤት ዝተብሃለ ተዓፊኑ ከም ዝተወስደ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ቤተሰቡ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይምፍላጦም ምኽንያት ንኣይተ ኣምደ ወርቁ ልየው ብተደጋጋግሚ ኣበይ ከም ዝውሰድኩሞ ንገሩና ብምባል እንትሓቱ  ዛጊድ ኣበይ ከም ዘእተዉዎ መልሲ ከም ዘይረኸቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
        ኣብ መወዳእታ ናይቲ ፌደራል ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ዝነበረ ኣይተ ጥላሁን መፃኢ መረፃ ንምትዕንቓፍ ካብ 6 ንላዕሊ መንእስያት ናብ ብረኻ ኣእትዩ ከሰልጥን ተረኺቡ ብዝብል ናይ ሓሶት ውንጀላ ተኣሲሩ ከም ዝርክብ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።