Wednesday, April 1, 2015

ኣብ ማእከላይ እዚ 8ይ መካናይዝድ ብወተሃደራዊ ሞያ ከገልግሉ ዝፀንሑ ወተሃደራት። ኣሃድኦም ራሕሪሖም ይጠፍኡ ብምህላዎም። ኣብ ዉሽጡ ዓብዪ ክፍተት ኣጋጢምዎ ከም ዝርከብ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ማእከላይ እዚ ብሞያ ኦፒ ኣብ 8 መካናይዝድ ተመዲቦም ክሰርሑ ዝፀንሑ ወተሃደራት ገዛኢ ኢህወዴግ። ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም እምነት መሬት ዘቢጡ ብምህላዉ። ኣሃዱኦም እናራሕርሑ ንገዝኦምን ናብ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ዉድባትን ገረባብቲ ሃገራትን ይጠፍኡ ምህላዎም ተፈሊጡ፣
  ካብ’ቶም ኣብ ኦፒ ተመዲቦም ክሰርሑ ዝፀንሑ ግን ከኣ በቶም ሓለፍቲ ዝፍፀሙ ግፍዕታት ብምቅዋም።  ካብ ዝጠፍኡ  ኣባላት ሰራዊት። ምክትል ሓለቓ ሚኢቲ ወንድወስን፤ ሓለቓ ዓሰረተ ጴጥሮስ ተካን ካልኦትን  እንትኾኑ። ሓለፍቲ ናይ’ቲ መካናይዝድ ድማ ብሰንኪ ምጥፍኦም ብዘጋጠሞም ክፈተት ስራሕ ዓቕሎም ስለ ዝፀበቦም ነቶም ምስኦም ዝነበሩ ሰባት የፈራርሕዎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣