Wednesday, April 1, 2015

ኣብ ወረዳ ስሜን ጎንደር ኣብርሃ ጅራ ኣብ ዝተባሃለ ቦታ ዝነብሩ ወገናት ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ተሓባበርቲ ኢኹም ብዝብል መንበሪ ገዝኦም ብዕጡቛት ይፈትሽ ምህላዉ ተገሊፁ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከባቢ ዳንሻ፤ ኣብርሃ ጅራ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝርከቡ ሰብ ወልቀ ሃፍቲ ምስ ዕጥቓዊ ቃልሲ ዘካይዱ ወድባት ይተሓባበሩን ይፅምበሩን ኣለዉ ብዝብል ምኽኒት። መንበሪ ገዝኦም ብዕጡቛት እቲ ሰርዓት ብለይቲ ይፍትሽዎን የፈራርሕዎምን ከም ዘለዉ ምንጭታትና  ካብቲ ከባቢ ገሊፆም፣
    እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንፃሮም  ዘካይዶ ዘሎ ዕጥቓዊ ቃልሲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሓየለ ይኸይድ ምህላዉ ስለ ዝተገንዘቡ።  ንሰላምዊ ህዝብና ደቅኹም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ይፅበሩ ኣለዉ፥ ትተሓበሩ ኣለኹም ኢናበሉ ለይትን መዓልትን የበሳብስዎ ምህላዎም ተፈሊጡ፣