Wednesday, April 1, 2015

ኣብ ከተማ ጎንደር ጉጅለ ብኣዴን/ኢህወዴግ ዘይትግበር መብፅዓታት እናኣተወ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምረፁና ጎስጓስ ብነባሪ ህዝቢ ከም ዝተነፀገ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዉድብ ብኣዴን/ኢህወዴግ ዝነበሮ እምነት ኣብዚ ሕዚ እዋን መሬት ዘቢጡ ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ። ነቲ ዝሰኣንዎ እምነት ህዝቢ ንምምላስ ከም ኣመሎም ኣብ ከተማ ጎንደርን ከባቢኣን እናዘሩ። ክረኣዩ ዝፀንሑ ጌጋታትና ኣሪምና ትሑት ደረጃ መነባብሮ ሕብረተሰብ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምዝርጋሕ ክነመሓይሾ ኢና እናበሉ ሓዱሽ መብፅዓታት ይኣትዉ እኳ እንተለዉ ነባሪ ህዝቢ ግን ዳግም ኣይንታለልን ብምባል ይቃወሞም ምህላዉ ተፈሊጡ፣
    ካብቲ ብህዝቢ ጎንደር ዝቐርብ ዘሎ ናይ ተቓዉሞ ሓሳባት። ፈለማ ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን መሰል ዜጋታት ከይተሸራረፈ ክኽበር ኣለዎ፤ መሰል ዜጋታት ብኣፈሙዝ ብረት ኣይትዓፍናዎ፤ ንባዕልኹምን መሻርኽትኹም ንጠቐም ዝብል ተግባር ኣቋርፅዎ፤ ግዕዝይና መግለፂ መንነት ስርዓት ኢህወዴግ እዩ፤ ተቓወምቲ ዉድባት ዕላምኦምን ፕሮግራሞምን ንህዝቢ ከየፋልጡ ብለይቲ ጨዊኹም ተጥፍእዎም ኣለኹም። እዝን ካልእን ሱር ዝሰደደ ሽግራትን እንከይተ ቐረፈ ኣብ ትሕቲ ብኣዴን/ኢህወዴግ ዴሞክራስያዊ መረፃ ኣይካየድን ኣይንመርፅን ከም ዝበሎም እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
     እቲ ብመራሕቲ ጉጅለ ብኣዴን/ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ጎንደር ክካየድ ዝቐነየ ጎስጓስ ካብ 4 መጋቢት 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ናብ ካልእ ገጠራትን  ከተማታትን ብምስፋሕ እኳ ይቕፅልሉ እንተለዉ ህዝቢ ግን ፍፂሙ ከምዘይቕበሎ ዘሎ ካብቲ  ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣