ምንጭታትና
ከም ዝገለፅዎ። ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ እቶም ነባራት ወተሃደራቱ ናብ ስደትን ናብ ተቓወምቲ ውድባትን ራሕሪሖምዎ ይጠፍኡ ብምህላዎም። ካብ 1 መጋቢት 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ኩለን ክልላት ካብ ሕድሕድ
ወረዳ ካብ 30-40 ዝኣኽሉ መናእሰይ። ትሕቲ 25 ዓመት ዕድመ ካብ
6ይ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ተማሃሮ መልሚለን ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንከእትዋ
መደብ ወሪዱለን ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
እቲ ናብ ውትህድርና ዝግበር ዘሎ ምልመላ ተማሃሮ እንተተኻኢሉ ብድልየት
ክኣትዉ እንተዘይ ኮይኑ ድማ ምስ’ቶም ምምሕዳራት ተሻሪኾም ብሓይሊ ኣገዲዶም ከዕጥቕዎም መምርሒ ተዋሂብዎም ዝተልኣኹ ወታደራዊ መኮንናት
ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ጎስጓሳት ኣብ ምግባር ተፀሚዶም ስለ ዝርከቡ። ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም የተዓናቅፍዎም ከም ዘለው
ተገሊፁ፣