Wednesday, April 1, 2015

ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ተማሃሮ መንእሰያት ናብ ውትህድርና ክኣትዉ ናብ ኩለን ክልላት መደብ ከም ዘውረደ ምንጭታትና ሓቢሮም፣



ምንጭታትና ከም ዝገለፅዎ። ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ እቶም ነባራት ወተሃደራቱ ናብ ስደትን ናብ ተቓወምቲ ውድባትን ራሕሪሖምዎ ይጠፍኡ  ብምህላዎም። ካብ 1 መጋቢት 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ኩለን ክልላት ካብ ሕድሕድ ወረዳ ካብ 30-40 ዝኣኽሉ መናእሰይ።  ትሕቲ 25 ዓመት ዕድመ ካብ 6 ክሳብ 10 ክፍሊ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ተማሃሮ መልሚለን ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንከእትዋ መደብ ወሪዱለን ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
    እቲ ናብ ውትህድርና ዝግበር ዘሎ ምልመላ ተማሃሮ እንተተኻኢሉ ብድልየት ክኣትዉ እንተዘይ ኮይኑ ድማ ምስ’ቶም ምምሕዳራት ተሻሪኾም ብሓይሊ ኣገዲዶም ከዕጥቕዎም መምርሒ ተዋሂብዎም ዝተልኣኹ ወታደራዊ መኮንናት ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ጎስጓሳት ኣብ ምግባር ተፀሚዶም ስለ ዝርከቡ። ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም የተዓናቅፍዎም ከም ዘለው ተገሊፁ፣