Wednesday, April 22, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ስድራ ስውኣት ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተዋፀአ ገንዘብ ኣብ ኣተዓዳድላ ኣድልዎ ይፍፀም ብምህላዉ ህዝቢ ተቓውሞ ኣስሚዑ፣



ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ብሽም ለካቲት 11 ንስድራ ስውኣት ክዉዕል ተባሂሉ ዝተኣከበ ገንዘብ። ካድረታት ህወሓት/ኢህወዴግ ብእዋኑ ኣብ ክንዲ ምዕዳል ብሎሚ ፅባሕ ከጓትትዎ ዝተዓዘበ ህዝቢ ተቓውሞታትን ሕቶታትን ከልዕል ስለ ዝጀመረ። በዚ ዝተሰናበዱ ኣማሓደርቲ ድማ ንይምሰል ንሓደ ስውእ ዘለዎ ስድራ 450 ብር ንኽልተ ስውኣት ዘለዎ ስድራ ድማ 900 ብር  ክንዕድል ኢና ዋላ’ኳ እንተበሉ። ኣብ ተግባር ግን ማዕረ ከም ዘይተኸፋፈለ ካብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
       እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። ብፍላይ ነቲ ግዕዙይ ኣካይዳ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝተዓዘቡ ነበርቲ ወረዳ ኣሕፈሮም።  ንስኹም ብህይወት ስለ ዝተረፍኩም ንባዕልኹምን ስድራኹምን ኣብ ዝተመቻቸወ ናብራ እናነብርኩም ስድራ ስዉኣት ኣብ ከርፋሕ ናብራ እንትነብሩ ክትሓፍሩ እናተገበአ። ነቲ ካብ ህዝቢ ንስድራ ስዉኣት ሓገዝ ክዉዕል ዝተዋፀአ ገንዘብ ብማዕረ ምክፍፋል ተሳኢንኩም። ብሌላን ጉሌላን ፈታውን ፀላእን እናበልኩም መሳርሒ ፖለቲካኹም ተዉዕልዎ ኣለኹም ብምባል ተቓውሞ የካይድ ምህላዉ ተፈሊጡ፣