Wednesday, April 22, 2015

ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ዳውሮ ዝነብር ህዝብና ንስርዓት ኢህወዴግ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ ንዝቐረበሉ ፃውዒት ብምንፃጉ ብኣመሓደርቲ ኣብ ልዕልኡ ዝተፍሓሰ ውዲታት ከም ዝፈሸለ ተሓቢሩ፣



    ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ዳውሮ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ዕድመ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት  ኢህወዴግ  ንምንዋሕ ዝሕግዝ ነባሪ ህዝቢ ብ8 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ናይ ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ ዝቐረበሉ ፃዉዒት ብሓደ ቃል ብምንፃጉ ዝተሰናበዱ ካድረታት እቲ ስርዓት። ሃይማኖት ተጠቒሞም  ክዉልዕዎ ዝወጠኑ ግጭት ህዝቢ ስለ ዝነቕሓሉ ከም ፈሺሉ ተፈሊጡ፣
   ነባሪ ህዝቢ እቲ ወረዳ ብግዑዙ ምሕደራ‘ቲ ስርዓት ዝቐሓረ ብምዃኑ። ነቲ ስርዓት ናብ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ክወፅእ ብካድረታት ኣብ ዝተሓተተሉ “ኣብዚ 24 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ኢህወዴግ ዝረኸብናዮ ልምዓታዊ ረብሓ የለን። እኳ ድኣ ብኣንፃሩ ዝነበረና መሬትን ሃፍትን ስኢንና” ክብል ስለ ዝነፀጎ። ኣብ መንጎ ኣማሓደርትን ህዝብን ክፍታሕ ዘይኽእል ቅርሕንቲ ተወሊዑ ምህላዉ እቲ ዝተረከበ ሓበሬታ የረድእ፣