Wednesday, April 22, 2015

ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘይብሎም ኣመሓደርቲ ህወሓት/ኢህወዴግ ናብ ዝሰርሕሉ ቤት ፅሕፈት እምኒ ብምድርባይ ተቓዉምኡ ኣስሚዑ፣



    ብምሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 15 ዝነብር ህዝቢ ብስእነት ቀረብ ሃለኽቲ ነገራት ዕለታዊ መነባብርኡ ብኣግባቡ ክመርሕ ከም ዘይከኣለ ድሕሪ ምግላፅ። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ተባሂሉ ብዝሕሸ ዋጋ ናብ ሕብረተሰብ ንምክፍፋል ብሃፍቲ ህዝብን ሃገር ተዓዲጎም ዝመፁ ከም ዘይቲ፤ ሽኮር፤ ሕሩጭ ፊኖን ዝኣምሰሉ ጠለባት ኣብ ኢድ ህዝቢ ከይበፅሑ በብክፍለ ከተማታቱን ቀበሌታቱን ዘለዉ ኣመሓደርትን ካድረታትን እቲ ስርዓት ንመሻርኽቶም ሰብ ሃፍቲ ብዉሽጣ ዉሽጢ ሸይጦም ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ከዉዕልዎ ዝተዓዘበ ነባሪ ህዝቢ ብ5 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ናብ ቤት ፅሕፈቶም ኣእማን ብምድርባይ ተቓዉምኡ ከም ዝገለፀ ተፈሊጡ፣
    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ንፀገማቱ ሰሚዑ ፍታሕ ዝህብ ኣካል ዝሰኣነ ነባሪ ቀበሌ 15 ናብ ቤት ፅሕፈት እታ ቀበሌ ተቓዉምኡ ብዳርባ  እምኒ ከም ዝገለፀን ነዚ ስዒቡ ኣማሓደርቲ ወረዳን ቀበሌን ዝፈፀምዎ ገበን ምጥፍፋእ ከይቃላዕ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ኣብ ዝተረኸብሉ ብዛዕባ እቲ ናይተቓውሞ ኩነታት ብህዝቢ ሕቶ ምስ ዝለዓል መስተ ሰትዮም ዝሰኸሩ እዮም እምኒ ደርብዮም ተባሂሉ ምላሽ ክዋሃብ ከምዘለዎ ምዝርራቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣