Sunday, April 12, 2015

ኣብ ዞባ ከምባታ ከተማ ዱራሜ ዝርከቡ ህዝብታት ብስእነት መሰረተ ልምዓት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም፣



ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ከምባታ ከተማ ዱራሜ ዝነብሩ ህዝብታት ብሰንኪ ስእነት መሰረተ ልምዓት ማሕበራዊ ህይወቶም ኣብ ምምራሕ ተፀጊሞም ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ። ብምዃኑ ድማ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዘፍረዮ ምህርቲ ሕርሻ ኣብ ግዜኡ ናብ ጅማ ብምኻድ ንከይሸጥ ካብ ዱራሜ ናብ ጅማ ዘሳግር ሩባ ኦሞ ድልድል ስለ ዘይብሉ መነባብርኦም ኣብ ምምራሕ ዕንቅፋት ኮይንዎም ከም ዝርከብ ንነበርቲ መሰረት ብምግባር እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም ነበርቲ ወሲኾም። ብፍላይ ግዜ ዘይህቡ ፍረታትን ኣሕምልትን ብሰንኪ ፀገም ፅርግያ እናተበላሽዉ ንክሳራ ይቃልዑ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ። እቲ ፀገም እንተዘይተፈቲሑ ንዝኸፈአ ክሳራ ከም ዝሳጥሑ ከምኡ’ዉን ኣብ መንጎ ህዝብታት ደቡብን ኦሮሚያን ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ ኣብ እዋን ክረምቲ ጠቕሊሉ ከም ዝቋረፅ ምምሕዳር እናፈለጠ ፍታሕ ክገብር ከም ዘይካኣለ ኣፍሊጦም፣