Sunday, April 12, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ዝርከቡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት። ብካድረታት ገዛኢ ስርዓት ኦህዴድ/ኢህወዴግ ግፍዕታት ይወርዶም ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ። ኣብ’ቲ ዞባ ወረዳ ኣምቦ ቀበሌ ብሎ ዝርከቡ ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ መድረክ ኣብ ስርሖም ብልኡኻት ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ዕንቅፋት ይበፅሖም ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ካብ’ቶም ግፍዕታት ዝበፅሖም ዘሎ ሓደ ናይ ዉድብ መድረኽ  ርክብ ህዝቢ ዝኾነ ኣይተ ተካ ቢነጋ ዝተብሃለ ወገን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናይ’ቲ ዉድብ በራሪ ወረቐት ናብ ጣቢያታት ሒዙ ኣብ ዝኸደሉ። ልኡዃት ካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ በረኻ ብምፅናሕ ወረቐቱ መንጢሎም ብበትሪ ቀጥቂጦም ከም ዝሰጎጉዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። ምስ መፃኢ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ተኣሳሲሩ ኣብ’ቲ ወረዳ ብተቓወምቲ ዉድባት ዝግበር ምንቅስቓስ ብኣግኡ ንምዕጋት ኣብ’ቲ ከባቢ ብዙሓት ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ተዋፊሮም ምህላዎም ምንጭታትና ኣረዲኦም፣