Friday, April 24, 2015

ከተማ ፍኖተ ሰላም ቁፅሮም ብርክት ብዝበሉ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ትሕሎ ምህላዋ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም፣



    ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ስላም ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ዝነበረ በቲ ስርዓት ዝድለ ሓደ እሱረኛ ሃዲሙ ስለ ዘምለጠ። በዚ ምኽንያት ድማ ካብ 4 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ እታ ከተማ ቁፅሮም ብርክት ብዝበሉ ፌዴራል ፖሊስን ኣባላት ምክልኻል ሰራዊትን ትሕሎ ምህላዋ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ከም ውፅኢቱ  ድማ ነበርቲ ነፃ ኮይኖም ዕለታዊ ስረሖም ንኽፍፅሙ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይነሞም ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። ነቲ ዘምለጠ እሱር ንምእላሽ ብዝብል ካብ ብርሸለቆ ወተሃደራዊ ማሰልጠኛ ካልኦት ተወሰኽቲ ብዙሓት ወተሃደራት ከም ዝተዋፈሩ ድሕሪ ምግላፅ። ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ዝርከቡ በተንቲ ኣድማ እናተብሃሉ ዝፅውዑ ፌዴራል ፖሊስ  እንተኾኑ’ዉን። ካብ ክልተ ንላዕሊ  ብጉጅለ ሓቢሮም ደው ንዝብሉ ዜጋታት ተበተኑ እናብሉ የባርርዎምን የፈራርሕዎምን ምህላዎም ተገሊፁ፣