Friday, April 17, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከብ ህዝብና ካድረታት ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ መረፃ ድጋፍ ንምርካብ ዘይትግበር መፅብዓታት ይኣትውሉ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣



ኣብ እዋን መረፃ ኣብ ናይ ምድንጋር ስራሕቲ ምውፋር ቀንዲ መለለይ ጉጅለ ኢህወዴግ ምዃን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም መቐፀልታ መደናገራይ ስርሑ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከብ ህዝብና። መሬት ንዘየብሉ ሰብ ናይ መሬት ብዓል ቤት ክንገብሮ ኢና፤ ናይ መሬት ግብሪ ክንቅንስ ኢና፤ መዳባርያ ብሕሱር ዋጋ ናብ ህዝቢ ክነቕርብ ኢና። ነቲ ዘሎ ፀገም ሰናይ ምሕደራ ክንፈትሖ ኢና እናበሉ ካድረታት እቲ ስርዓት ዘይትግበር መብፅዓታት ይኣትዉሉ እኳ እንተለዉ። ህዝቢ ግን ከም ዘይተቐበሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣ 
ጉጅለ ኢህወዴግ ንባዕሉ ኣብ መረፃ ንኽዕወትን ድጋፍ ህዝቢ ንምርካብን ተቓወምቲ ንኸይጉስጉሱ ዕድል ከሊኡ። ንሱ ግን በብደረጅኡ ንዝርከቡ ኣካላት ሕብረተሰብ፤ ሰራሕተኛ መንግስቲ፤ ተምሃሮን ንሓረስቶትን ካልኦትን ኣብ ቃሕ ዝበሎ እናኣከበ ዘይጭበጥ መብፅዓታት እናኣተወ ብሰፊሑ ኣብ ናይ ጎስጓስ ወፍሪ ተፀሚዱ ዝርከብ እኳ እንተኾነ። ዛጊድ ግን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ከቢድ ተቓዉሞ ይገጥሞ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ  ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣