Friday, April 17, 2015

ከባቢ ባድመ ዝርከብ ህዝብና ሓደ ን5ተ ኣብ ዝብል ኣወዳድባ ናይቲ ስርዓት ተጠርኒፉ። ምስቲ ወታደር ኮይኑ ድፋዕ ክፍሕርን ንብረቱ ናብ ድሕሪት ከግዕዝን ይግበር ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ባድመ ንዝርከብ ህዝብና። ብሰበ ስልጣን ስርዓት ኢህወዴግ ፀላኢ መረፃና ንምትዕንቓፍ ከጥቅዕ ይዳሎ ስለ ዘሎ  ምስ ክፍለ ሰራዊት 22 ኮይኑ ድፋዕ ክፍሕር ይግደድ ከም ዘሎ ዝገላፀ እቲ ሓበሬታ። ብተወሳኺ ዓበይቲ ንብረት ዘለዎ ሰብ  ድማ ካብ ዝኾነ መጥቃዕቲ ንምድሓን ናብ ድሕሪት ኣግዕዝ እናተብሃለ ይፈራራሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። ነባሪ ባድመ ዝኾነ ህዝብና። ግላዊ ናብርኡ ገዲፉ   ምስቲ ወታደር ብምዃን ድፋዕ ክፍሕር ይግደድ ብምህላዉ። ጉልበትና ብነፃ እናተመዝመዝና ናብራና ክንመርሕ ኣይክኣልናን ብምባል። ሽግራቱ ኣብ ምግላፅ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣