ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘማላኽቶ። ውልቀ መላኺ
ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝርከብ “ጣና” መአከቢ ኣደራሽ ካብ 10 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ናይ ጣና ፎረም
ኣኼባ ከካይድ ዝቐነየ እንትኾን። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብታ ከተማ ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ዘለዎም ዕሱባት ፌደራል ፖሊስን ኣባላት ምክልኻል
ሰራዊትን ኣዋፊሩ። ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ስግኣት ዝወለዶ ከቢድ ቁፅፅር ብምክያድ ባህርዳር-ጎንደር፤ ባህርዳር-ኣዴት፤ ባህርዳር-ፍኖተሰላም
ከምኡ‘ዉን ባህር ዳር-ገዳማት ጣናን ካልኦት ከባብታትን ዝወስዱ መገድታት ናይ ፈተሻ ኬላታት ተተኺሉ ተጓዓዚ ህዝቢ ክንከላበት ምቕንዩ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣብ መእተዉን መዉፅእን መስመር ናይዘን ከተማታት ኣብ ዝተተኸላ ሓደሽቲ
ናይ ፍተሻ ኬላታት ኣብ ዝግበር ሕጋዉነት ዘይብሉ ፈተሻታት። መለለይ መንነት ዘይሓዙ መናእሰይ ዜጋታት ክእሰሩ ምቕናዮም እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ ኣረዲኡ፣