ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ
ወረዳ በራሕለ ናይ ንግዲ ትካላት ከፊቶም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታት ብኣምሓደርቲ እታ ወረዳ ብዝተተመነ ዋጋ ክትሸጥዎዎ
እንተዘይክኢልኩም ስጉምቲ ክዉሰደልኩም እዩ ብምባል የፈራርሕዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ እቶም ነጋዶ ብወገኖም ንሓደ ኪሎ ሽኮር
40 ብር ንሓደ ኪሎ ቡና 120 ብር እናዓደግና እንታይ መኽሰብ ክንረክብ
ኢና በቲ ንስኹም ዝበልኩሞ ንሸጦ ክብሉ ምቅዋሞም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ተመን ዝሸጥሉ መምርሒ ዝተዉሃቡ ሰባት
ናብ ምምሕዳር ናይ’ታ ወረዳ ቀሪቦም እንታይ ሰርሕና ክነብር ደሊኹምና ክብሉ ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ካብዚ ንላዕሊ ክተሸጡ
እንተደሊኹም ናብ ክልልኩም ኪዱ ዝብል መልሲ ምስ ተዋህቦም ናብ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ጥርዓን ኣቕሪቦም ሰማዒ ኣካል ብዘይ ምርካቦም ስርሖም ደዉ ከብሉ ከም ዝተገደዱ ተገሊፁ።